ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ዝተሃንጻ ራህያታት እኹል ማይ ብምሓዘንን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተኸለሉ መግሃጫታት እኹል ሳዕሪ ብምቋሎምን፡ ኣብ ምስሳን ጥሪት እወታዊ ድርኺት ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ጓሶትን ሓረስቶትን ሓቢሮም።

ኣብቲ ንኡስ ዞባ ሰለስተ ራህያታት፡ 1300 ሄክታር ቀዋሚ ሕዛእቲ፡ 100 ሄክታር ግዝያዊ ሕዛእቲ፡ ኣስታት 60 ሽሕ ሄክታር ፍኑው ናይ መግሃጫ ቦታ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ሓላፊ ኣሃዱ ቊጠባዊ ልምዓት፡ ኢንጂነር ዳዊት ብርሃነ፡ ሎሚ ዓመት ክራማት ኩለን ራህያታት እኹል ማይ ብምውህላለንን እኹል ሳዕሪ ብምብቋሉን፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝሳገማ ጥሪት ከይተረፋ እኹል ሳዕሪ ረኺበን ምህላወን ኣረዲኡ።

እቲ ንኡስ ዞባ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝሳግማ ጥሪት ብብዝሒ ዝጥቀማሉ ብምዃኑ፡ ክልተ ተወሰኽቲ ራህያታት ንምስራሕ መጽናዕቲ ተገይሩ ከምዘሎ ዝሓበረ ኢንጂነር ዳዊት፡ ወነንቲ ጥሪት ንዘለዋኦም ራህያታትን ሕዛእትታትን ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣተሓሳሲቡ።

ጓሶት ብወገኖም፡ ብዘሎ ሰናይ ክራማት ራህያታት ብምምልአንን ኣብቲ ከባቢ እኹል ሳዕሪ ብምብቋሉን፡ ንመግብን ማይን ዝግበር ዝነበረ ነዊሕ ጒዕዞ ከምዘብቅዐ ገሊጾም።

Categories