ዓማዊል ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ጸገም ናይ’ቲ ትካል – ንነዊሕ ኣዋርሕ ተዋህሊሉ ዝጸንሐ ዕዳ፡ በብናይ ክልተ ኣዋርሕ ቅብሊት ንምድቕቓሱ ዝመጽእ ዘሎ ውህሉል ክፍሊት፡ “ወጽዓ ይኾነና ኣሎ” ክብሉ ቅሬታኦም ገሊጾም።

እቶም ዓማዊል ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ዕዳ ዝሃለኸ ብምዃኑ ክኽፈል ግድን’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ትካል ገንዘቡ ብእዋኑ ስለዘይኣከበ ግዳ፡ ልዕሊ ናይ ክልተ ወርሒ ደሞዝ ዝሓዘ ቅብሊት ክመጸካ እንከሎ፡ ከቢድ ጾርን ቊጠባዊ ዘይርግኣትን ዝፈጥር ኮይኑዎም ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብ ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር ንግዲ ኢንጅነር ኣነንያ ተስፋማርያም፡ ነዚ ናይ ዓማዊል ቅሬታ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ትካል ዓማዊሉ ዘይተጠቕሙሉ ሃልኪ ኤለክትሪሲቲ ከምዘየኽፍል፡ ጉዳይ ናይ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጥረ ውህሉል ዕዳ ግን፡ ቈጸርቲ ኣብ እዋኑ ስለዘይተነበባን ብኻልእ ረቛሒታትን ዝሰዓበ ምዃኑ – እቲ ቀንዲ ጸገም ድማ ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እቲ ኮርፖረሽን – ዓማዊል ዕዳኦም በብቕሩብ ንኸደቓቕሱ ናይ ኣከፋፍላ ኣገባብ ኣተኣታትዩ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ እቲ ጸገም መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ እንተዀይኑ ከኣ፡ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ክተኣታቶ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ዓማዊል ባዕሎም ቈጻሪቶም ኣንቢቦም ሕሳቦም ክኸፍሉ ዝሕግዝ ኣብ ኣስመራ ንዝተጀመረ ናይ ፈተነ መደብን ገስጋሱን ብዝምልከት፡ ዋና ኣካይዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ ኢንጅነር ኣብርሃም ወልደሚካኤል፡ እቲ ስራሕ ክጅመር ስለዘለዎ ኣቐዲሙ ህዝቢ ከም ዝምዝገብ ምግባር ንኣሳልጦ ኣገዳሲ ምንባሩ፡ እንተዀነ – ነቲ ስራሕ ዘድሊ ኣቚሑ ብቐሊሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክርከብ ስለዘይተኻእለ ምድንጓያት ከምእተፈጥረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ካብ ደገ ንኽግዛእ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኢንጅነር ኣነንያ፡ ህዝቢ ኣብ ኣጠቓቕማ ኤለክትሪሲቲ ጥንቃቐ ከዘውትር፡ ጸዓት ዝቚጥብ መሳርሒታት ክጥቀም፡ ከምኡ’ውን ሃልኪ ዘስዕባ ከም ሞጎጎ ንዝኣመሰላ መሳርሒታት – ምሸት ድሕሪ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ድማ ካብ ሰዓት 6፡00 ክሳብ ሰዓት 10፡00 ረፋድ ኣብ ዘሎ ግዜ ክጥቀመለን ሞያዊ ምኽሩ ለጊሱ።

Categories