ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቶም ንምዝዛምን ሃገራዊ ግቡኦም ንምፍጻምን ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ 104 ናይ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ሳዋ ዝወረዱ ኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ትማሊ 27 ነሓሰ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ብወግዒ ጀሚሮም።

ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ርእሰመምህር ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ መምህር ቀሊት ግርማይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ልዕሊ 200 ሽሕ ተመሃሮ ተቐቢላ ከም ዘምሃረት ገሊጹ። እቲ ዕላማ – ንተመሃሮ ብልዑል ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምስግጋር ምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ተመሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክግደሱ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መንጎ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስጡምን ተማላላእን ምውህሃድ ከምዘሎ፡ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት፡ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ክትዕን መደረን፡ መደብ ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ፡ ንቕሓት ዘበርኹ ሰሚናራትን ካልእ መዘናግዒ መደባትን፡ ኣካል ንጥፈታት ናይታ ቤትትምህርቲ ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ብወገኑ፡ ኣብ ሳዋ ኩሉ’ቲ መሰረታዊ ዝበሃል ኣገልግሎታትን ቀረባትን ድሉው ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ብምስራሕ ራኢ ሃገር ከስምሩ፡ ትጽቢት መንግስትን ህዝብን ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

Categories