ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐን ዓቐንን ዘለዎ ዝናብ ይሃርም ብምህላዉ፡ ኣብ 1600 ሄክታር ተዘሪኡ ዘሎ ኣእካልን ናይ ቅብኣ ኣዝርእትን ኣብ ትስፉው ደረጃ ከምዝበጽሐ፡ ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተወልደ ንጉሰ ሓቢሩ።

ካብቲ በብዓይነቱ ኣእካል፡ 16 ሚእታዊት ጥረ-ምረ፡ 2 ሚእታዊት ድማ ናይ ቅብኣ ኣዝርእቲ ከምዝርከቦ ዝጠቐሰ ኣቶ ተወልደ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ መብዛሕትኡ ናይ ጉስያን ጻህያይን ደረጃ ሓሊፉ፡ ኣብ ምሽዋትን ምውላድን ከምዝበጽሐ ኣብሪሁ።

ሓረስቶት ኣቐዲሞም ኣብ ግራውቶም ዘካየድዎ ናይ ምምድማድን ምድኳዕን ንጥፈታት፡ ውጽኢቱ ብግብሪ ይርእዎ ከምዘለዉ፡ ብፍላይ ብክኢላታት ሕርሻ ዝተዋህበ ስልጠና ምድላው ባህርያዊ ድዂዒ፡ ሓረስቶት ካብ ተጠቃምነት ዘመናዊ ድዂዒ ንኽገላገሉ ከምዝሓገዞም ኣረዲኡ።

ሓላፊ ምክልኻል ባልዕ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ኢዮብ ስዩም፡ ዛጊት ዘሰክፍ ተርእዮ ባልዓት’ኳ እንተዘየለ፡ ሓረስቶት ካብ ግራውቶም ከይረሓቑ ብቐጻሊ ክከታተሉን ዝኾነ ባልዕ ምስ ዝርአ ኣብ ቀረባኦም ንዝርከቡ ኣባላት ሕርሻ ክሕብሩን ኣዘኻኺሩ።

Categories