ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መስመራት ተመዲበን ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝነጥፋ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን፡ ካብ’ቲ ሕጋዊ ታሪፍ ንላዕሊ ብምኽፋልን ዝያዳ ተሳፈርቲ ብምጽዓንን ሃስያ የውርዳ ስለዘለዋ፡ በዓል-መዚ መጓዓዝያ ምድሪ፡ ዕቱብ ምቊጽጻር ብምግባር ስጉምቲ ክወስደለን ተገልገልቲ ጸዊዖም።

“እቲ ዘሎ ኩነታት፡ ሸለልትነት ተቘጻጸርቲ ኣካላት ዘርኢ’ዩ” ዝበሉ ወሃብቲ ርእይቶ፡ እዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ልዕሊ ተገልገልቲ ዘውርዶ ቊጠባዊ ወጽዓ፡ ንሓደጋ’ውን ዘቃልዕ ስለዝኾነ፡ ምቊጽጻር ክግበረሉን ብኣጋ ክግታእን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻር ድሕነት ኣቶ ዕቝባይ ወልደገብርኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣሃዱ፡ ንድሕነት ተሳፈርትን ኩነታት ጥዕና ተሽከርከርትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኩሉ መስመራት እናተንቀሳቐሰ ምክትታል ከምዝገብር ብምግላጽ፡ ሕጊ ጥሒሶም ዝያዳ ተሳፈርቲ ንዝጸዓኑን ልዑል ታሪፍ ንዘኽፈሉን፡ ክሳብ ሰሌዳ ናይ ምውራድ ስጒምቲ ከምዝውሰደሎም ኣረዲኡ።

ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊት ኣሃዱ መጓዓዝያ ገጠር ወ/ሮ ሳሌም ገብረዝግኣብሄር ብግደኣ፡ ብዝወጽአለን መደብ ስራሕ ኣብ 26 መስመራት ተመዲበን ዝነጥፋ ብጠቕላላ 192 ንኣሽቱ፡ ማእከሎትን ዓበይትን ኣውቶቡሳት ከምዘለዋ፡ ነፍሲ-ወከፈን ምስ መልአት ምቊጽጻር ቊጽሪ ተሳፈርትን ዝተኸፍለ ታሪፍን ምስ ተገብረላ ጥራይ ናይ መውጽኢ ፍቓድ ከምዝወሃባ ኣረጋጊጻ።

ጠለብን ቀረብን ዛጊት ክመዓራረ ከምዘይከኣለ ዝሓበረ ሓላፊ ጨንፈር በዓልመዚ መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተኽላይ ሃብተሚካኤል ብወገኑ፡ ንድሕነት ህይወትን ንብረትን ኣብ ግምት ብምእታው ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዝካየድ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ዓመት መርመራ ብቕዓት ማለት ቦሎ ክላውዶ ክገብራ ካብ ዝቐረባ 1,444 መካይን፡ እተን 840 ጥራይ ምሕላፈን ናይ’ዚ መርኣያ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

Categories