ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ወለንታዊ ልግሲ ደም ብምትብባዕ ትሕዝቶ ባንክ ደም ንምስሳን ዝተኻየደ ጐስጓሳት ጽቡቕ ውጽኢት ተረኺብዎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣባላት ሆስፒታል ኣፍዓበት፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ኣገዳስነት ልግሲ ደም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ብምምጽኡ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ልዕሊ 300 ዜጋታት ብወለንታኦም ደም ከምዝለገሱ፡ እቲ ቊጽሪ ድማ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቶም ሞያውያን ወሲኾም፡ ልግሲ ደም ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምድሓን ህይወት ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ለገስቲ ኩነታት ጥዕናኦም ንምፍላጥ’ውን ስለዝሕግዝ፡ ዝያዳ ንኽሰፍሕ ኣስተምህሮታት ንምስፍሑ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ መምህራንን ተመሃሮን ሞያዊ መሰልጠኒ ማእከል ፖሊቴክ፡ ከምኡ’ውን ወለድን መሻርኽቲን ብ17 ነሓሰ 70 ዩኒት ደም ለጊሶም።

ኣቐዲሞም ብዘካየድዎ ተመሳሳሊ ንጥፈታት’ውን፡ ካብ 2015 ክሳብ 2017 ኣስታት 130 ዩኒት ደም ከምዝለገሱ ተፈሊጡ።

Categories