ኣብ ሃገርና፡ ብመርፍእ ዝወሃብ ሓድሽ ኣገባብ ክታበት ፖልዮ፡ ንፍዮን ሩቤላን ከምዝተኣታተወ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ሃገራዊ መደባት ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንኤሪና ሓቢሩ።

ንመደባት ክታበት ኣደታትን ህጻናትን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣቶ ቴድሮስ፡ ካብ 2002 ንትሕቲ ሓደ ዓመት ህጻናት 6 ዓይነታት ክታበት ክወሃብ ምጽንሑ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ግን ናብ 11 ክብ ኢሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን 4 ሓደስቲ ክታበታት ንምትእትታው ይስራሓሉ ምህላዉ ኣብሪሁ።

ኣብ 1994 ብደረጃ ሃገር ካብ 10 ሚእታዊት ዘይሓልፍ ዝነበረ ሸፈነ ክታበት፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 95 ሚእታዊት በጺሑ ከምዘሎ፡ ኤርትራ ድማ ኣብ ምሕደራ ኣገልግሎት ክታበት፡ ዝርግሐ ክታበት፡ ብቕዓት ክታበት፡ ቀጻልነት ሸፈነ ክታበት፡ ከምኡ’ውን ምቊጽጻር ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማትን ካልእን ከተሰላስሎ ብዝጸንሐት ንጥፈታት፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን ሽልማትን ከምዝረኸበት ገሊጹ።

“ፖልዮ፡ ንፍዮን ሩቤላን ብቫይረስ ዝመሓላለፉ ብምዃኖም፡ ዝያዳ ተላባዕቲ’ዮም” ዝበለ ኣቶ ቴድሮስ፡ ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ፡ 14 ዓመት ንዝመልኡ ህጻናት፡ ብመልክዕ መርፍእ ዝወሃብ ክታበት ፖልዮ፡ ኣብ ኩለን ትካላት ጥዕና ተኣታትዩ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

እቲ ክታበት ኣብ ሓደ እዋን ሰለስተ መራፍእ ብምውጋእ ከምዝወሃብ፡ እዚ ድማ – ዑረት፡ ጽመት፡ ነድሪ ሳንቡእን ካልኦት ሓደገኛታት ሕማማትን ንምክላኻል ተጻዋርነት ዘጐልብት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነዚ ብዝግባእ ንምስልሳል ብርክት ዝበሉ ሰብ-ሞያ ጥዕና ሰልጢኖም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ወለዲ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ተላብዩ።

ክታበት ንፍዮን ሩቤላን፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ንዝዕድመኦም ህጻናት ኣብ ሆስፒታላትን ኣብያተ-ትምህርትን ክወሃብ ስለዝኾነ፡ ምትሕብባር ሚኒስትሪ ትምህርትን ወለድን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ኣቶ ቴድሮስ ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ናይ ክታበት መደባት ንምስልሳል፡ ኣብ 58 ንኡስ ዞባታት ምድላዋት ተገይሩ ከምዘሎ፡ ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ንዝመርሑ ዜጋታት ንም’ብጻሕ ድማ፡ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ምርኲስ ብምግባር ክትግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

ኤርትራ ኣብ 2005፡ “ካብ ፖልዮ ነጻ” ተባሂላ ከም እተሸለመት ዝፍለጥ’ዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ሕማም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ገና ይርአ ስለዘሎ፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ።

Categories