ተቐማጦ 18 ዓድታት ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ብ20 ነሓሰ – ኣብ ምሕደራን ጽሬት ከባቢን ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዶም።

ኣኼበኛታት፡ ንኹለን ዓድታት ኣብ ዝቐረበት ምምሕዳር ከባቢ – ‘ሎጎሳርዳ’ ክመሓደሩ ክውስኑ እንከለዉ፡ ብኮም ዝካየድ ልምዓታውን ካልእን ንጥፈታት ብምሉኡ ብሓባር ከካይድዎ ተረዳዲኦም።

ንምሕደራ መሬት፡ ኣጠቓቕማ ሳዕርን ሓለዋ ገረብን ብዝምልከት እውን ብሰፊሑ ተማያዪጦም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጸሮና ኣቶ እዮብ ተስፋጼን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተቐማጦ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ ንረብሓ ምጥርናፍ ተገንዚቦም ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ንምምሕዳራዊ ንጥፈታት ሓጋዚ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኣነባበርቲ ዓዲ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ ብምትሕብባር፡ ዝውጠኑ መደባት ንምዕዋት ብትግሃት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

እዘን ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከባቢ ተጠርኒፈን ዘለዋ ዓድታት፡ ሳርዳ፡ ላጻት፡ ዓይበታ፡ ምራራ፡ ስኩም፡ ኣንፍዑና፡ ጉእምኒ፡ ውልሾ፡ ኣራዘን፡ ድባር፡ ማይጨና፡ ዓዲ-ሕበት፡ እንዳ-ኣፍጮማ፡ ምስዳድ-ፈረስ፡ ዑና-ባድማይ፡ ማይዓጋም፡ ኩዶ-ወይባን ዑና-ናዞን እየን።

Categories