ፖሊሲ ምሕደራ ማይ ኤርትራ፡ ሓባራዊ ሃብቲ ንዝኾነ ጸጋታት ማይ ብምልማዕን ብምዕቃብን፡ ውሁድ ምሕደራኡን ውሕሉል ኣጠቓቕማኡን ዘረጋግጽ ምዃኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሃብቲ ማይ ኣቶ መብራህቱ ኢያሱ ገሊጹ።

ኣቶ መብራህቱ፡ ማይ ኣብ ማሕበረቊጠባዊ ምዕባለ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ባእታ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ሳሕለ-ሰሃራ እትርከብ ሃገር ብምዃና፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንልምዓት፡ ዕቃበን ተጠቃምነትን ማይ ልዑል ኣተኲሮ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

በዚ መሰረት፡ መጠንን ዓይነትን ዕቚር ሃብቲ ማይ ምጽናዕ፡ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ልምዓት፡ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ማይ ምዕባይ፡ ሃብቲ ማይ ካብ ምብኻንን ምብካልን ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ቀጻልነት ዘለዎ ምዕሩይ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ማይ ምርግጋጽ፡ እቶም ቀንዲ ብኣተኲሮ ዝስራሓሎም ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ኣስታት 300 ዲጋታት ክህነጹ እንከለዉ፡ ካብቲ ንዘቤታዊ፡ ኢንዱስትርያውን ካልእን መዓላታት ዘድሊ ልዕለ ጽፍሓዊ ማይ 20 ሚእታዊ ጥራይ ዝኽዝኑ ምዃኖም፡ ክሳብ ሕጂ ግን 90 ሚእታዊ ካብ ጠለባትና ካብ ትሕተባይታዊ ማይ ክንጥቀም ምጽናሕና፡ ኣቶ መብራህቱ ሓቢሩ።

“ምንጭኻ ካብ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ክኸውን፡ ውሕስነት ቀጻልነቱ ዘተኣማምን ስለዘይኮነ፡ ኣብ ምህናጽ ከዘንቲ ማይ ከተተኲር ግድነታዊ ይኸውን” ዝበለ ኣቶ መብራህቱ፡ ከዘንቲ ማይ ምብዛሕን ምድረበዳነት ዝከላኸሉ ንጥፈታት ብስፍሓት ምትግባርን፡ እቶም ዝበለጹ ኣማራጺታት ከምዝኾኑ ኣስሚሩሉ።

ኣገልግሎት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርግጋጽ ብዝተገብረ ጻዕሪ፡ ድሕሪ ናጽነት 1517 ስርዓተ-ቀረብ ማይ ከም እተተግበሩ፡ በዚ ድማ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ኣብ ከተማታት 92 ሚእታዊት፡ ኣብ ገጠራት ድማ 85 ሚእታዊት ከምእተዋሕሰ ኣረዲኡ።

ቀጻልነት ዝተሃንጸ ፕሮጀክታት ማይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናይ ኮም ምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ሕብረተ-ሰብ ንዝተተግበሩ ስርዓተ ቀረብ ማይ ተኸናኺኑ ቀጻልነቶም ከውሕስ ኣዘኻኺሩ።

Categories