ኣብ ናይ 2017/18 ዓመተትምህርቲ ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ተመሃሮ፡ እቶም 58.2 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ሃገራዊ መርመራ ኣቶ ሃብተ ኣስፍሃ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ሃገራዊ መርመራ፡ ካብ 396 ኣብያተ-ትምህርቲ፡ 49.7 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 52,669 ተመሃሮ ከምእተሳተፉ፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ ክወዳደር እንከሎ ብ10 ሚእታዊት ከምዝዓበየ – ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብተ፡ መጠን ምሕላፍ እውን ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ብ6.3 ሚእታዊት ከምዝበረኸ ገሊጹ።

መጠን ምሕላፍ ብጾታ ክርአ እንከሎ፡ ካብ ተፈተንቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 49.1 ሚእታዊት፣ ካብ ተሳተፍቲ ደቂ-ተባዕትዮ – 50.9 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ ኣነጺሩ።

ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ዘምጽኡ 763 ምዃኖም፡ ካብ’ዚኦም እተን 414 ማለት – እተን 54 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን እውን ኣረዲኡ።

ኣቶ ሃብተ፡ ካብ’ቶም መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ – “ጥርዓን ኣሎና” ዝብሉ እንተልዮም፡ ኣኣብ ቤት-ትምህርቶም ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

Categories