ሓረስቶት ኣውጋሮ – ንኡስ ዞባ ላዕላይጋሽ፡ ኣብ እዋኑ ሳላ ዝሓረሱን ጽቡቕ ዓቐንን ዝርጋሐን ዘለዎ ዝናብ ይቕጽል ብምህላዉን፡ ዘራእቶም ኣብ ደረጃ ምጉሳይ ከምዝበጽሐ ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢኦም ዝናብ ደንጉዩ ብምጅማሩ ንጥፈታት ማሕረስ ተደናጒዩ’ኳ እንተነበረ፡ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣብ እዋኑ ስለዝሓረሱን እኹል ዝናብ ስለዝተረኽበን ኣብ ትስፉው ደረጃ ከምዝበጽሑ ገሊጾም።

ሓላፊ ልምዓት ብቝሊ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ተኽሉ መንግስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 26 ሽሕ ሄክታር ብዘበናውን ያታውን ኣገባብ ከምእተሓርሰ፡ ዝሰፍሐ ካብኡ ድማ መሸላ፡ ብልቱግን ስምስምን ከምእተዘርአ ብምሕባር፡ ብውሑድ መጠን ዝተዘርአ ዳጉሻን ጣፍን እውን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ኣብሪሁ።

ዝወቅዕ ዘሎ መጠን ዝናብ ምስ ጻዕሪ ሓረስቶት ተደሚሩ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ክፋል ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከብ ዘራእቲ፡ ኣብ ደረጃ ጉስያን ምዕንባብን ከምዝበጽሐ፡ እቲ ካልእ እውን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories