ህዝቢ፡ ኣብ ሕጊ ዝጸንሖ ኣፍልጦ ክብ ብምባል ኣብ ምክልኻል ገበናትን ሓደጋታትን ምትሕብባሩ ከዛይድ፡ ፖሊስ ዞባ ማእከል ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚ ራብዓይ መደበር ፖሊስ ተለንተ ኣንገሶም ኣብርሃም ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ጸጸራት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ስጡም ርክብ ፖሊስን መሻርኽቱን ምስ ቅልጡፍ ሓበሬታ ህዝቢ ተደሚሩ – ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ከባቢ ዘለዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ወለዲ ድማ ብፍላይ፡ ደቆም ብስነምግባር ንምዅስኳስ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ጸጸራት ወይዘሮ ደሃብ ኣባይ ብግደኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ተኣትዩ ኣብ ዘሎ ትስፉው ናይ ሰላም መድረኽ፡ ህዝቢ ኣበርክቶኡ ብዝለዓለ ክቕጽሎ ተላብያ።

ፖሊስ ብዘይ ምትሕብባር ህዝቢ ኣብ ስራሑ ከድምዕ ከምዘይክእል ዝጠቐሰት ወይዘሮ ደሃብ፡ ነበርቲ – ቅልጡፍን እዋናውን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ምትሕብባሮም ከዕዝዙ ጸዊዓ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብ ንኡስ ዞባኦም ዝተወጠኑ መደባት ንምዕዋት ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕጊ ንምዕባይ ዝውደብ ኣስተምህሮታት ክቕጽል ሓቲቶም።

Categories