ኣብ ጅዳን ርያድን – ስዑዲ ዓረብ፡ ኣ’ደውሓ – ቐጠር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኩወይት ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ብሓባር ኣብ ዘቃነዕዎ መደባት፡ ደገፎም ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ገሊጾም።

ኣብ ጅዳ ኣብ ዝተኻየደ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ዝተሳተፍዎ መደብ፡ ቈንስል ኤርትራ ኣቶ ዓብዱራሕማን ዑስማንን ወኪል ቈንስል ኢትዮጵያ ኣቶ ሱልጣን ኢብራሂምን ኣብ ዘስመዕዎ መደረታት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ሰላም፡ ብሓፈሻ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣተኲሮኡ ኣብ ልምዓትን ምምልላእን ብምግባር፡ ዘላቒ ምዕባለ ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ዕዙዝ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብተመሳሳሊ፡ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነበርቲ ርያድ ብ17 ነሓሰ ብሓባር ኣብ ዝወደብዎ መደብ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላምን ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ንዝተኸተመ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ደገፎም ገሊጾም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣቶ መሓመድ-ዑመር ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ንሰላም ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ፡ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርኦ ተስፋ ዓቢ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ዘካይድዎ ዘለዉ መደባት ድማ – ናቱ መርኣያ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣ’ደውሓ – ቐጠር ብ17 ነሓሰ ኣብ ዝወደብዎ ተመሳሳሊ መደብ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ኢብራሂምን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣቶ መታሰብያ ታደሰን፡ ማሕበረ-ኮማት ክልቲአን ሃገራት ዝወደብዎ ናይ ደገፍ መደብ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ሓጐስ ምዃኑ ብምምልካት፡ ክልቲኦም ህዝብታት ዝደጋገፉሉን ዝተሓጋገዙሉን መድረኽ ተኸፊቱ ምህላዉ ሓቢሮም።

ኣብ ኩወይት ዝነብሩ ዜጋታት ክልተአን ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ – ኣምባሳደራት ሶማል፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ኣልጀርያን ዝተረኽቡሉ ጽምብል ድማ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ስምኦን ተኽለሰንበትን ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣወል ዓሊ ጀርሶን፡ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ንሓድሕዶም ብዝገብርዎ ውህደትን ምትሕግጋዝን፡ ነቲ መስርሕ ሰላም ብዝግባእ ከንጸባርቕዎ ትጽቢት ከምዝግበር ገሊጾም።

Categories