ኣብ ከተማ ደቀምሓረ፡ ካብ 6 ዞባታት ንዝመጹ ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ትሮፒካዊ ሕማማት ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ።

ዕላማ’ቲ ካብ 13 ክሳብ 18 ነሓሰ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ንዝጸንሐ ኣፍልጦ ክብ ኣቢልካ ብዝቐለለ መንገዲ ንምክልኻሎም ምዃኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ምክትታልን ምቊጽጻርን ትሮፒካዊ ሕማማት ኣቶ ምሕረትኣብ ኣብርሃ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ስልጠና ዝያዳ ዝተዘተየሎም ትሮፒካዊ ሕማማት፡ ካላዛር፡ የሎውፊቨር፡ ምቑላዕ፡ ደውየ፡ ኩልመት፡ ብልሃርዝያ፡ ባልዕ መዓንጣ፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ነፍሪን ዌልካምን እዮም።

ሓላፊ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ኣርኣያ ብርሃነ፡ ብዛዕባ ትሮፒካዊ ሕማማት ሰፊሕ መብርሂ ክህብ እንከሎ፡ ፕሮፌሰር ነጋሲ ለኣከ ድማ፡ ብዛዕባ ምልክታት፡ ኣገባብ ምምሕልላፍ፡ መርመራ፡ ፍወሳን ኣገባባት ምክልኻልን ናይቶም ሕማማት ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ስልጠና፡ ነቶም ሕማማት ክሳብ 2020 ምሉእ ብምሉእ ንምጥፍኦም፡ ንገሊኦም ድማ ንምቊጽጻሮም ብተገዳስነት ክስራሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

Categories