ዞባ ዓንሰባ፡ ነቲ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 8 መስከረም ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ – ቀጽሪ ኤክስፖ ዝካየድ ሃገራዊ ፈስቲቫል ምድላዋቱ ኣጻፊፉ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ስራጅ ሓጂ፡ ናብ ናይ ሰላም መድረኽ ኣብ እንሰጋገረሉ ዘሎና ሃዋህው ይካየድ ብምህላዉ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ፍሉይነት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ብደረጃ ዞባ ንያታ፡ ኣገባባት መነባብሮ ትልሂት፡ ኣልባሳትን ካልእን ዘንጸባርቕ መሰናድኦታት ተዳልዩ ከምዘሎ ገሊጹ።

“እኹል ምድላዋት ጌርና ኣሎና” ዝበለ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ያታዊ ትልሂትን ያታዊ መሳርሒታትን መምህር ጃዕፈር ሳልሕ ብወገኑ፡ ኣብ ብሄራት ትግረን ብሌንን ልዕሊ 20 ዝኸውን ትልሂታትን ዜማታትን ኣካል ናይ’ቲ ትሕዝቶ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንውድድር ተዳልዮም ዘለዉ ዝበዝሑ መንእሰያት ብምዃኖም፡ ዝያዳ ብልጫ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

ዳይረክተር ያታዊ ትልሂት ኣቶ ፍስሃየ ደበሳይ ድማ፡ ባህላውን ዘመናውን ባህሊ እናተኣሳሰርካ ንምቕራብ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት’ኳ እንተኾነ፡ ሳላ ምውህሃድ ኩለን ኣካላትን ፍሉይ ተገዳስነት ኣለይትን ተላሃይትን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንውድድር ዝበቅዕ ምድላዋት ተገይሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቊሸት መነባብሮ፡ ድኰና ያታዊ ኣባይቲ፡ ያታዊ ትልሂትን መሳርሒታት ሙዚቃን፡ ከምኡ’ውን ምርኢት ቅርስታትን ካልእን ዘጠቓልል ናይ ሎሚ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ “ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ብዝብል ቴማ’ዩ ዝካየድ።

ኣብ’ዚ ን9 መዓልታት ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ምርኢት ማእከል ትምህርትን ዳህሳስን ቈልዑ፡ ደምበ ህጻናት፡ ስእላዊ ምርኢት፡ መሸጣ መጻሕፍቲ፡ ምርኢት ባዛር፡ ዕላል ምስ ገዳይም ስነ-ጥበባውያን፡ ምርኢት ፍሉይ ተውህቦን ምህዞን፡ ከምኡ’ውን ውዕሎ ኤክስፖን ካልኦትን መሰናድኦታት ክቐርቡ እዮም።

Categories