ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባረክ፡ ትማሊ 10 ዙ-ልሕጃ 1439 ህጅርያ – 21 ነሓሰ 2018 ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተባዒሉ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ – ሜዳ ባሕቲ መስከረም፡ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን፡ ከምኡ’ውን ኣሽሓት ኣመንቲ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት ሓባራዊ ሰላት ተኻዪዱ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ትርጉም ዒድ ብሓፈሻ ዒድ ኣል-ኣድሓ ድማ ብፍላይ ብዝምልከት ዓሚቚ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ኣል-ኣድሓ፡ ድሕሪ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበዓል ዘሎ ናይ መጀመርያ ዒድ ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምጥቃስ፡ ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ንዝቐጸለ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን መድረኽ መፈጸምታ ዝገበረ ስምምዕ፡ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ፡ ጽቡቕ ኣብነት ናይ ሰናይ ጉርብትና ከምዝኸውን ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

ሼኽ ሳልም ኢብራሂም፡ ዒድ – ናይ ምፍቕቓርን ይቕረ ምብህሃልን፡ ናይ ምትሕግጋዝን ደሃይ ምትሕትታትን፡ ከምኡ’ውን ንጽጉማት ናይ ምርዳእን ንሕዙናት ናይ ምጽንናዕን ኣጋጣሚ ስለዝዀነ፡ ምእመናን ነዚ ሰናይ ተግባራት ዓቢ ግምት ክህብዎ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ’ቲ ሓባራዊ ሰላት ዝተረኽቡ ምእመናን፡ ሰላም ብምብህሃልን ሰናይ ምንዮት ብምግልላጽን ተዛዚሙ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብምኽንያት ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣል-ሙባረክ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜና ምስ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ብባህላዊ መደብ ዝማዕረገ ህዝባዊ ጽምብል ተኻዪዱ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ዒድ ድሕሪ ምምናይ፡ በዓላትና ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናደመቐ ከም ዝኽበር ኣረዲኣ። ሎሚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ ግዳ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነታት ሰላማዊ መዕለቢ ረኺቡ – ክንዮ ክልቲአን ሃገራት ንከባቢና ብእወታ ጸልዩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ይበዓል ብምህላዉ ከምዝኾነ ኣገንዚባ። ንክልቲኡ ህዝብታት ድማ ዮሃናኣ ገሊጻ።

እቲ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ሳሊና ብዘቕረበቶ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።

Categories