ሳዕቤናት ባህርያውን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት ንምቅላል፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ክዓቢ ከምዝግባእ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ሓላፊ ጂኦፊዚክስ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን ዑቕባዝጊ ኣገንዚቡ።

ብ13 ነሓሰ – ካብ ከተማ ባጽዕ ኣስታት 50 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ንዝተኸስተ – 4.8 ሬክተር ዝዓቐኑን፡ ዝዀነ ጉድኣት ዘየውረደን ምንቅጥቃጥ መሬት ምርኲስ ብምግባር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን፡ ሓደጋ – ሰብ ሰርሖ ይኹን ባህርያዊ፡ ብክሊማ፡ ምንቅስቓሳት ትሕተ-ባይታ፡ እሳተጐመራ፡ ትሕተ-ቅርጻዊ ጸገማትን ካልእን ዝፍጠር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ከውርዶ ዝኽእል ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩሉ ሰብ ንምቅላሉ ብንቕሓት ክዋሳእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሃገርና፡ ምንቅጥቃጥ መሬት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዞባታት ደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ክስተት ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ’ቲ ከባቢታት ዝስርሑ ህንጻታት፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ካልእን፡ ነዚ ሓደጋ’ዚ ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ መኺሩ።

ሳዕቤናት ባህርያዊ ሓደጋታት ንምውጋድ፡ ብዛዕባ ጠንቂታት፡ ባህርያት፡ ከምኡ’ውን ኣተኣላልያ ቅድምን ድሕርን ሓደጋታት እተጽንዕ ጉጅለ፡ ንክልተ ዓመት መጽናዕቲ ኣካዪዳ ምንባራ ዝሓበረ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን፡ ካብ’ቲ ውጽኢት ብምብጋስ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣስተምህሮታት ከምእተዋህበ ሓቢሩ።

ድሕሪ ሓደጋ ዝኣሊ ኣካል ስለዘድሊ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ምውህሃድ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ንዝያዳ ኣበርክቶ ምትሕግጋዞም ከዛይዱ ተላብዩ። ኣብ’ቲ ዝያዳ ሓደጋታት ዝኽሰተሉ ከባቢታት ዘለዉ ነበርቲ፡ ብሰብ-ሞያን ክኢላታትን ንዝወሃቦም ትምህርቲን ኣስተምህሮን ምርኲስ ገይሮም፡ ሳዕቤናቱ ንምንካይ ድሉዋት ክኾኑ እውን ኣዘኻኺሩ።

ከተማ ባጽዕ፡ ኣብ 1884 ከምኡ’ውን ኣብ 1921 ብዘጋጠመ ምንቃጥቃጥ ምድሪ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ሓምለ 2002ን መስከረም 2013ን ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙዋ ምንባሩ ሰነዳት የረድኡ።

Categories