ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንክብሪ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ብ18 ነሓሰ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ብባህላዊ መሰናድኦታት ዝተሰነየ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክልቲኡ መንግስታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ምትእስሳር ህዝብታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ካብ’ቲ ልሙድ ዝምድና ኣህዛብ ፍልይ ዘብሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቃልሲ ንፍትሕን ሓርነትን ስለዝተዀስኰሰ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ቃልሲ ንፍትሕን ሓርነትን ብባህሪኡ ከቢድ’ኳ እንተኾነ፡ ቃልሲ ህንጸት ሃገር ግን በዳህን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብክቡር መስዋእቲ ንዘምጸኦ ሓርነቱ ብልምዓት ንምዂላዕ ኣብ ህንጸት ሃገሩ ኣብ ክንዲ ዝጽመድ፡ ብደጋዊ ምትሕንዃላትን ውሽጣዊ ዘይምስምማዕን ኣብ ቅልውላው ተጸሚዱ ምጽንሑ ገሊጹ። ህዝቢ ደቡብ ሱዳን፡ ሓርነት ንዘሰክሞ ሓላፍነት ህንጸት ሃገር ንምስማር ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ፡ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይፍለዮ ድማ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ብግደኡ፡ ኣስመራ – ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ታሪኽ ዘለዋ ከተማ ምዃና፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ’ቲ ቃልሲ – ዝውንኖ ኩሉ ዘይበቐቐ ሓው ህዝቢ ከምዝኾነ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ንሰላም ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ፡ ኣብ ዞባና ሓድሽ ተስፋን ናይ ምምልላእ መንፈስን ዘሪኡ ከምዘሎ እውን ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ’ቲ ዕለት፡ ሃገራዊ ማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንዝሰላሰል ዘሎ ስትራተጂካዊ ልምዓታዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግሱ መደባት ድማ ብፍላይ ዘነጽር – ንፕረዚደንት ሳልቫኪርን ምስኡ ዝመጸ ጉጅለን፡ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን መግለጺ ሂቡ።

ዳይረክተር ናይ’ቲ ማእከል ጆሜትራ ጌታቸው መርሃጼን፡ ተልእኾታትን ሸቶታትን’ቲ ማእከል፡ መጽናዕቲ ገጸመሬት፡ ዝርጋሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን መጻኢ መደባትን፡ ህንጸት ወሰንቲ ትሕተ-ቅርጽታት ልምዓት፡ ምውሓስ ቀረብ ጸዓትን ዕቑር ጸጋታት ጸዓት ኤርትራን፡ ሕርሻዊ ምዕባለን ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን፡ ከምኡ’ውን ናይ ተሃድሶን ጽገናን መደባት ብሰፊሑ ዘርዚሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን፡ ንተኽእሎታት ቊጠባዊ ምትእስሳር ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ረብሓታቱን ዝምልከት – ብካርታ ዝተሰነየ መብርሂ ሂብዎም።

Categories