ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ተሰንዩ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንዝካየዱ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ተዓዚቡ።

ኣብ’ቲ ዑደት፡ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፡ ዲጋታት ጠቐራን ምስላምን ኣብ ከባቢኡ ዝሰላሰል ዘሎ ሕርሻዊ ፕሮጀክትታት፡ ምርባሕ እንስሳታት፡ ትሕተ-ቅርጺ መጐዓዝያ፡ ምውዳድ መደበራት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ዘጠቓልል ውሁድ ልምዓታዊ መደባት በጺሑ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር – ማዪክ ኣዪል ዴንግ፡ ንማዕከናት ዜና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝተዓዘብዎ መደባት ልምዓት፡ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዘጒልሕ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ብምሕባር፡ እዚ ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ዝካየድ ዘሎ መደባት’ዚ፡ ውጽኢቱ ምቁርን ንድሌታት ህዝቢ ዝምልስን ከምዝኸውን ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ናብ ኤርትራ፡ ነቲ ብናይ ደገ ምትእትታው ኣብ ቅልውላው ዝጸንሐ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ናብ ትስፉው መድረኽ ተሰጋጊሩ ዝርከብ ዞባ፡ ሰላምን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ድማ፡ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ጽኑዕን መትከላውን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፡ ክልቲአን ሃገራት ንብድሆታትን ዕድላትን ብሓባር ንምግጣም ብውህደት ክሰርሓ ሓጋዚ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዛዚሙ፡ ብ19 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ተፋንዩ።

Categories