ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ቀዳም 18 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ከምኡ’ውን ናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ፡ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ህንጻ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕ ዝምድና ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ኩነታት ደቡብ ሱዳንን ተስፋታት ሰላምን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ተዘራሪቦምን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦምን።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለታት፡ ንዘሎ ዕድላት ኣብ ረብሓ ህዝብታት ናይ’ቲ ዞባን መጻእቲ ወለዶታትን ንምውዓል፡ ከም መራሕቲ ጥራይ ዘይኮነ ከም ህዝብታት እውን ብሓባር ክሰርሑ፡ ንትግባረኡ ድማ እቲ ርክባት ክቕጽል ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ልምዓታዊ ቦታታት ዑደት ብምግባር፡ ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ኣብ ምኽዛን ማይን ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻን፡ ከምኡ’ውን ምስሳን ሃብቲ ጥሪትን ትሕተ-ቅርጽን ዝግበር ዘሎ ወፍሪን ውጽኢቱን ክዕዘብ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ምሸት ንክብሪ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲትን ምስኡ ዝመጸ ጉጅለን ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኒያል ዴንግ ኒያልን ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ሚኒስተር ማዪክ ኣዪል ዴንግን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ሓቢሮም መጺኦም ኣለዉ።

***

Categories