ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፡ ዘራእቶም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ – ካብ ግራውቶም ከይተፈልዩ ግቡእ ምክትታል ክገብሩ፡ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ያሲን ዑስማን፡ ክሕረስ ካብ ዝኽእል 4193 ሄክታር፡ ዛጊት እቲ 3593 ሄክታር ከምእተሓረሰ፡ ዝተረፈ 600 ሄክታር ድማ ተደላዲሉ ኣብ መጻኢ ንካልኦት ሓረስቶት ክዕደል ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓረስቶት፡ ብመደብ ምድልዳል መሬት ካብ ዝተዋህቦም ቃጽዖታት ብርኩት ምህርቲ ንምሕፋስ ንዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ዘመጐሰ ኣቶ ያሲን፡ ሓረስቶት ነቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝርከብ ዘራእቶም ካብ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒን ካልኦት ባልዓትን ክከታተሉ ኣተሓሳሲቡ።

እቶም ሓረስቶት፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዞም ግራውቶም ኣብ ምክንኻን፡ ድሓር እውን ዘራእቶም ኣብ ምክትታል ተጸሚዶም ከምዝርከቡ እዮም ዝገልጹ።

Categories