ምብጻሕ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ኣብ ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዞባና ተራእዩ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት፡ ብሓባራዊ ርድኢት ንረብሓ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስራሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ገሊጹ።

ኣቶ የማነ ንማዕከናት ዜና ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ኣፍልጦን ንዓወት ቃልሲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝገበረቶ ኣበርክቶን፡ ተራኣ በቲ ዝድለን ከም’ቲ ዝግባእን ደረጃ ንኸይትቕጽል ዝዕንቅጽ ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ምጽንሑ ጠቒሱ፡ ሕጂ ግን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተፈጥረ ሰላም፡ ከምኡ’ውን ምስ ሶማልያ ብዝጀመረ ምሕዝነት፡ ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ምቹእ ባይታ ተጣጢሑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሚስተር ኒያል ዴንግ ኒያል ብግደኡ፡ ንታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ከምኡ’ውን ተራን ደገፍን ኤርትራ ንቃልሲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ጠቒሱ፡ ዑደት ፕረዚደንት ሳልቫኪር ነዚ ድልዱል ሰረት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሽርክነት ዘሰጋግር ምዃኑ ሓቢሩ።

“ኤርትራን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ቦታ እየን ዝሕዛ። ኣብ ኩሉ መዳያት ኣብ መንጐአን ዝህሉ ምድግጋፍ ድማ ብእወታ ዝጸሉ ተራ እዩ ዘለዎ” ዝበለ ሚኒስተር ኒያል፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዞባና ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ነዚ ዝድርዕ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

ሚኒስተር ኒያል ዴንግ ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝተገብረሎም ምዕሩግ ሕውነታዊ ኣቀባብላን እንግዶትን፡ ንታሪኻዊ ዝምድና ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ዘጒልሕ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories