ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ብውሕጅ ዝተባሕጎጐ መስመራት መጐዓዝያ ንምትዕርራይን ብፍግረ-መሬት ዝተሃስየ ከባቢታት ንምፍዋስን፡ ኮም ዘማእከለ ወፈራዊ ማእቶት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ወፈራ፡ ብውሕጅ ንዝተባሕጎጐ መስመር ሓልሓል – እንረኩበት – መለብሶ – ረሀይ – ቀርጸት – ማይኣዋልድ ምጽጋን፣ ከትርታትን ዛላታትን ምስራሕ፡ ከምኡ’ውን ፈልሲታት ምትካል ከምዘጠቓልል፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ኣቶ ሓምድ መሓመድ-ዓሊ ሓቢሩ።

ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ ዘሰላስሎ ዘሎ ዕማም፡ ከም ባህሊ እናሰረጸ ምምጽኡ ዘሐጒስ ምዃኑ ኣረዲኡ።

በቲ ስራሕ፡ ዛጊት 43 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ክጽገን እንከሎ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ፈልስታት ከምእተተኽለ ተፈሊጡ።

Categories