ኣድማዕነት ትግባረ መደባት ስራሕ ንምርግጋጽ፡ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይ ምክትታል ኣሰራርሓ ከሐይሉ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ጸዊዑ።

ምምሕዳር ዞባ ብ15 ነሓሰ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዘቃነዖ ገምጋም ኣፈጻጽማ መደባት፡ ኣቶ ፍስሃየ፡ ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ብፍላይ ኣብ ምድልዳል ክረምታዊ መሬት ሕርሻ፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ከምኡ’ውን ገምጋም ንጥፈታት ኮማውያን ኣብያተፍርዲ ኣብ ንኡሳን ዞባታት፡ ብዕቱብ ክስራሓሉ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ኣብ ትግባረ’ቶም መደባት፡ መምርሒታት ተኸቲልካ ዕቱብ ምክትታልን ምቊጽጻርን ከም ዘድሊ ኣገንዚቡ።

ሓለፍቲ ክፍልታት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ኣብ ምሕያል ምሕደራ ዓቕሚሰብ፡ ንብረትን ገንዘባዊ ምንቅስቓስን ኣድማዕቲ ስራሓት ከምእተሰላሰሉ፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ – ኣብ ምጽጋንን ምህናጽን ራህያታት፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ድንድላትን ጽርግያታትን፡ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣድማዕቲ መደባት ከምእተተግበሩ ተገሊጹ።

ንትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ውጽኢት ንጥፈታተንን ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ፡ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዝርአ ዘሎ ተሳታፍነትን ውጽኢትን ክብ ንምባል፡ ዝተመላልአ ጻዕሪ ክካየድ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ’ቲ ዞባ ኣስታት 250 ሽሕ ሄክታር ንምሕራስ ከምእተወጠነ፡ ድሮ’ውን ኣስታት 75 ሚእታዊት ብማሽነርን ያታዊ ኣገባብን ተሓሪሱ ከምእተዘርአ ክግለጽ እንከሎ፡ ዝናብ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ብስፍሓትን ዓቐንን ብጽቡቕ ይቕጽል ስለዘሎ፡ ኩነታት ዘራእትን መገሃጫታትን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ምህላዉ በሪሁ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ካልኣይ መንፈቕ – ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ዝትግበሩ ንጥፈታት፡ ገስጋሶምን ቀጻልነቶምን ዝምልከት ዘተ ተኻዪዱ።

Categories