ነበርቲ ዳንዴረ-ገነት – ምምሕዳር ከባቢ በራኽ፡ ዝዓረቐ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ – ዝጀመርዎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ብዕቱብ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ መኰነን ፍስሃየ፡ በቲ ብተበግሶ ነበርቲን ምውህሃድ ሚኒስትሪ ሕርሻን ዝሰላሰል ዘሎ ወፈራታት፡ ዛጊት ኣርባዕተ ኪሎ-ሜተር መትረባዊ ዛላታት ከም እተዃዕተን፡ ክልተ ሽሕ ፈልሲታት ቀላሚጦስ ከም እተተኽለን ገሊጹ።

ነበርቲ ዳንዴረ-ገነት፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እውን ብተበግሶኦም ክልተ ራህያታት ብምህናጽ ዝነበሮም ሽግር ማይ ከምዝፈትሑ ዝሓበረ ኣቶ መኰነን፡ ኣብ ምግራብ ጥራሕ ከይተሓጽሩ ንዝተኸልዎ ፈልሲታት ግቡእ ክንክንን ሓለዋን ክገብሩሉ ተላብዩ።

ዳንዴረ-ገነት፡ ሓንቲ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ በራኽ ኮይና፡ ካብ ከተማ መንደፈራ ንሸነኽ ምዕራብ ኣርባዕተ ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ የማነ ተዓደል፡ ሕጽረታት ትካላት ጥዕና ንምምላእ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ስለ’ዚ እውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ከከም ቀዳምነቱ 6 ኣምቡላንሳት ንዞባታት ከምእተዓደላ ሓቢሩ።

Categories