ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ሚላኖ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ንመስርሕ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎም ደገፍ ብሰላማዊ ሰልፊ ገሊጾም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ሰላም መሰረት ዘላቒ ምዕባለ ምዃኑ ብምሕባር፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ስምምዕ ብኣድማዕነት ንምትግባር፡ ካብኣቶም ዝሕተት ንምምላእ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ካልእ ዜና ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣቶ ስምኦን ተኽለሰንበት፡ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ኣቶ ሕመድ ኣል-ምሽዓል፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዱ።

ኣቶ ስምኦን፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝጀመረ ዝምድና ኩወይትን ኤርትራን ጠቒሱ፡ ነዚ ታሪኻዊ ዝምድና’ዚ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያብ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

Categories