ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ዛጊት ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ድማ ዝምስገን ምዃኑ፡ ብ10ን 11ን ነሓሰ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተሓቢሩ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ከምኡ እውን ኣብ ምስማር ኮም ዘማእከለ ሜላ ኣቕርቦት ጥዕና፡ ቀዳምነት ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሞት ኣደን ዕሸልን ንምውጋድ፡ ዝተፈላለዩ መደባት ክታበት ከምኡ’ውን ምክትታል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ከምዝካየድ ዝሓበረ ዶክተር ኣማኑኤል፡ ነብሰ-ጾራት ኣብ ትካላት ጥዕና ንኽሓርሳ ዝወሃብ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን፡ ምህናጽ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን ምዝርጋሕ ዘድሊ ቀረባትን ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ዞባን ንኡሳን ዞባታትን፡ ንጥፈታቶም ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ፡ ሕጽረት መሳርሒታትን ኣምቡላንሳትን ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዮም።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ የማነ ተዓደል፡ ሕጽረታት ትካላት ጥዕና ንምምላእ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ስለ’ዚ እውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ከከም ቀዳምነቱ 6 ኣምቡላንሳት ንዞባታት ከምእተዓደላ ሓቢሩ።

Categories