ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ብ8ን 9ን ነሓሰ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ንዝተሰላሰለ ንጥፈታት ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ምድላዋተን ንምጅማር ሓድሽ ዓመተትምህርቲ ብኣጋ ከጻፍፋ ኣዘኻኺሩ።

ወኪል ናይ’ቲ ጨንፈር መምህር መሓመድ-ዑመር ዓብደላ፡ ንኣድማዒ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ኣብያተትምህርቲ ካብ መባእታ ናብ ማእከላይ ደረጃ ቅድሚ ምስግጋረን ጽጹይ መጽናዕቲ ክግበረለን፡ ተወሳኺ ክፍልታት ዘድልየን ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ ብንጹር ክልለያን ብኣጋ ክሕበርን ኣተሓሳሲቡ።

ብልጫታት ተዓቂቦም፡ ብድሆታትን ሕጽረታትን ንምቅላል ዝያዳ ኣተኲሮ ክወሃብ ዘዘኻኸረ መምህር መሓመድዑመር፡ መማህራን ዘሰላስልዎ ኣብ ሕልና ዝተመርኰሰ ዕማም ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ስራሕ፡ ህላወን ኣገዳስነትን ደገፍቲ ስርዓተትምህርቲ፡ ኣብ ሱፐርቪዥን ዝረኣዩ እወታውን ኣሉታውን ጐድንታት፡ ጠንቅታት ትሑት ብቕዓት ምሕደራ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኩነታት ትሕቲ-ቅርጺ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢ ነቲ ዓውዲ ሓገዝቲ መዳያት እዮም ኣብ ዝበሃሉ ነጥብታት ብሰፊሕ ተመያዪጦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ተራ ስሉሳዊ ርክብ ክብርኽ፡ መሃይምነት ኣጥፊአን ዝተባህላ ከባቢታት ተፍትሽ ክግበረለን፡ ዋሕዲ መማህራን ቋንቋ ኣደ ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ሓደስቲ ዝምደቡ መማህራን ይኹን ዝህሉ ምቅይያራት ቅድሚ ምጅማር ትምህርቲ ክትግበር ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋጼን ግርማይ፡ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ንምጅማር፡ ኩለን ኣካላት ትምህርቲ ዓቕሚተታን ኣወሃሂደን ስራሐን ኣብ ግዜኡ ክጅምራ ኣዘኻኺሩ።

Categories