ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምስ ናይ ስራሕ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት – ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣንጻር ዑረት ብዘካየዶ ንጥፈታት፡ ንልዕሊ 3850 ዜጋታት ዕዉት መብጣሕቲ ሓበላ ከም እተገብረሎም፡ ንልዕሊ 6,350 ድማ መነጽር ከምእተዓደለ ተሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፊ ምቊጽጻር ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ፍስሃየ ገርግሽ፡ ዑረት ንምቊጽጻር ብዝወጸ ሃገራዊ መደብ፡ ኣብ ሆስፒታላት ባጽዕ፡ ጊንዳዕን ኣፍዓበትን ክሊንካት ዓይኒ ምስ ምሉእ መሳለጥያታቱን ዓቕሚ-ሰቡን ብምውዳድ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት፡ ቊጽሪ ናይ’ቶም ብምኽንያት ሓበላ ብርሃን ዓይኖም ስኢኖም ተኣለይቲ ዝኾኑ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ምጉዳል፡ እወታዊ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዞባ ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ዑረት ዝኾነ ትራኮማ ንምግታእ ብዝተገብረ ወፍሪ ክታበት፡ እቲ ሕማም ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ካብ 10 ሚእታዊት ናብ ኣስታት 2 ሚእታዊት ከምዝወረደ ዝሓበረ ኣቶ ፍስሃየ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ 5.2 ሚእታዊት፡ ኣብ ባጽዕ 5.4 ሚእታዊት፡ ኣብ ጊንዳዕ 5.6 ሚእታዊት፡ ኣብ ኣፍዓበት ድማ 7.6 ሚእታዊት ንዘሎ መጠን ትራኮማ፡ ናብ ትሕቲ 2 ሚእታዊት ንምውራድ ዕቱብ ጻዕሪታት ይግበር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“በብዓመቱ ዝፈርዩ ዘለዉ ሞያውያን ሕክምና ዓይኒ ዜጋታት፡ ኣብ ኣድማዕነት ናይቲ ዝሰላሰል መደባት ዓቢ ኣስተዋጽኦ እዩ ዘለዎም” ዝበለ ኣቶ ፍስሃየ፡ ሳላ’ዚ ኣብ ምምዕባል ሞያዊ ዓቕሚ-ሰብ ተመዝጊቡ ዘሎ ገስጋስ፡ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ መብጣሕቲ ሓበላ፡ በብዝመጸሉ ኣብ ትካላት ጥዕና ክወሃበሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ተበጺሑ ምህላዉ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ’ተን ትራኮማ ዝረኣየለን ንኡሳን ዞባታት፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዝተገብረ ጐስጓሳት ዘጠቓለለ ተፍትሽ፡ ነቶም ተለኺፎም ዝጸንሑ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ናይ መነጽር ሓገዝን ከምእተገብረ፡ ናይ ሓበላ መብጣሕቲ ንዝገብሩ ዜጋታት ከጋጥም ዝጸንሐ ናይ ቊጠባን መጓዓዝያን ሽግራት ንምቅላል እውን፡ ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝቐርቦም ቦታ ከምዝረኽብዎ ንምግባር ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories