ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 ነሓሰ ኣብ ሪፓብሊክ ሶማልያ ዝገበሮ ምብጻሕ ዛዚሙ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ’ዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደቱ፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ኸይረ፡ ኣፈኛ ፓርላማ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ኣሕመድ ዒሰ ዓወድን ካልኦት ሰበስልጣንን ተራኺቡ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና፡ ኣብ ትግባረ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ‘ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን’ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግባእ ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታት ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ሞቓዲሾን ካልእ ቱሪዝማውን ቊጠባውን ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታታትን ዑደት ፈጺሙ።

ከንቲባ ከተማ ሞቓዲሾ ድማ፡ ንክብሪ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብባህላዊ ጸወታታት ዝተሰነየ እንግዶት ኣዳልዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሶማል ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም ዕድመ ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

Categories