ምምሕዳር ዞባ ማእከል ብዝሓንጸጾ መደብ መሰረት፡ ንጥፈታት ምግራብ ብዕዙዝ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ብኣድማዕነት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ ገሊጹ።

ኣቶ ሃይለሚካኤል፡ በዚ ኣብ መወዳእታ 2017 ዝተጀመረ መደብ፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ዞባታት ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን 200 ሽሕን ፈልስታት ከምእተተኽለ፡ ኣብ ከባቢ ቤት-ጊዮርጊስ መአከቢ ጐሓፍ ዝነበረ ቦታ እውን ኣግራብ ተተኺልዎ ግርማ ከምዝለበሰ ሓቢሩ።

ወኪል በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃም ተኽሉ ብወገኑ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ሓደ ሚልዮንን 500 ሽሕን ፈልሲታት ክትከል መደብ ከምእተታሕዘ፡ 82 ሚእታዊት ካብኡ ድማ ድሮ ከምእተዓመ ሓቢሩ።

ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ማእከል፡ ኣብ 70 ሄክታር፡ 276 ኪሎ-ሜተር ቅናታዊ ዛላታትን 155 ሜትር ኲብ ከትሪን ከምእተሰርሐ እውን ኣነጺሩ።

ኣብ’ቲ መደብ፡ ኣስታት 48 ሽሕ ህዝቢ ከምእተሳተፈ፡ ምምሕዳር ዞባ ዘዋፈረን ዓበይትን ንኣሽቱን መካይን’ውን ኣብ’ቲ ዕማም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበራ ተፈሊጡ።

Categories