ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ገስጋስ ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ ብቕዓትን ተሳታፍነትን ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንምሕያል ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ድማ ብፍላይ – ዝግምግም ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር በየነ ተስፋይ፡ ካብ 1993 ክሳብ 2018 ኣብ ጽላት ትምህርቲ ንዝተገብረ ወፍሪ፡ ዝነበሩ ጸገማትን ዝተወስዱ ስጉምታትን ዝምልከት፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻባት ኣቕሪቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሴ፡ ሳላ ሓያል ተሳትፎ ኮም – ገስጋስ ትምህርቲ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ብምሕባር፡ ምቊራጽ ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ጠንቁ ተለልዩ ንምግታኡ ዝካየድ ጻዕሪ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ ድማ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምዕዋት፡ ናይ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ፡ ምምሕዳራትን ሕብረተሰብን ጻዕሪ ክብ ክብል ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ምጥርናፍ ዓድታትን ደምበታትን ክድፋኣሉ፣ ብዝሒ ተመሃሮ ዘለወን ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ተለልየን ናብ ማእከላይ ደረጃ ዝዓብያሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ዝምድና ወለዲ፡ ተመሃሮን መማህራንን ክሕይል ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ብተሳተፍቲ ቀሪቦም።

Categories