ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ሓረስቶት ምምሕዳራት ከባቢ ዙላን ኣፍታን፡ ካብ ከበሳ ዝወርድ ውሕጅ ኣብ ሕርሻዊ ጥቕሚ ንምውዓል፡ ዝተሃስየ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ኣብ ምፍዋስ ይነጥፉ ኣለዉ።

እቲ ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ካብ ወርሒ ግንቦት ዝጀመርዎ ስራሕ፡ ብቐንዱ ኣብ ምጽጋንን ምስራሕን ዓግማትን ጀሪፋትን ዘተኰረ ምዃኑን፡ ምስ ዘሎ ህጡር ክራማት ከበሳ ተደሚሩ፡ ድሓን እቶት ክረኽቡ ተስፋ ከምዘለዎምን ገሊጾም።

ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐ መእለዪ ውሕጅ መዓጾኡ ብድበት ስለዝመልአ፡ ንዘራእቶም ብኣሉታ ይጸልዎ ከምዘሎ ዝሓበሩ’ቶም ሓረስቶት፡ ነቲ ጸገም ንምቅላል ውህደትን ምድግጋፍን ናይ ኩሎም ኣካላት ከይፍለዮም ኣዘኻኺሮም።

ሓላፊ ቊጠባዊ ልምዓት ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣቶ ሳልሕ ኢብራሂም፡ ዛጊት ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ዓግማትን ጀሪፋትን ከምእተሰርሐ ብምሕባር፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት ናይ ማሽነሪ ደገፍ ክግበረሎም ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ብክራማት ባሕሪን ከበሳን ዝሕረስ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ሄክታር ከምዘሎ፡ ሰነዳት ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ የረድኡ።

Categories