ኣብ ዞባ ደቡብ፡ መስርሕ ጽገና ቀንዲ ጽርግያታት፡ ኣብ ቊጠባውን ማሕበራውን ህይወት ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምቅላል ጸገማት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ድማ ብፍላይ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ብ9 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብመንግስቲ መሰረታዊ ጽገና ዝተኻየደሎም ናይ ሓመድ መስመራት እንዳ-ገርግስ – ማይ-ምነ፡ እምኒ-ሓይሊ – ዓዲበሓይላይ፡ ደቀምሓረ – ጸሮና፡ ከምኡ’ውን ተራ-እምኒ – ደቀምሓረ፡ ኣብ ውሽጢ’ተን ንኡሳን ዞባታትን ካብን ናብን ዝጸንሐ ጸገማት መጓዓዝያ ከምዘቕለለ ተሓቢሩ።

በብጽላቱ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጻዊ ንጥፈታት፡ ምጽጋን ህዝባዊ ኣደራሻት፡ ከምኡ’ውን ምህናጽ ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ድባርዋ ዘጠቓለለ ስራሓት ክትግበር እንከሎ፡ ኣብ ዓድታት ዓዲ-ጣፋንፋስ፡ ዓዲ ዓርካይን ኩዶ-ኣብዑርን ክህነጽ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ቀረብ ማይ ኣብ ደረጃ ምዝዛም ከምዝበጸሐ በሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንጥፈታት ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ድማ ብፍላይ ንምድንፋዕ፡ ትሕተ-ቅርጽን ንዋትን ኣብያተ-ትምህርቲ ንምምላእ፡ ከምኡ’ውን መነባብሮ መማህራን ንምድጋፍ ኣተባባዒ ስራሕ ከምእተዓመ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ ዝናብ ኣዝመራ ከም’ቲ ዝድለ ዝርጋሐ ከምዘይነበሮ፡ ዝናብ ክራማት’ውን ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ዝተሓጽረ ምንባሩ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ድሕሪ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ግን ኣብ መላእ ዞባ ጽቡቕ ዝርጋሐ ዘለዎ ዝናብ ይሃርም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገበረክርስቶስ፡ ሚዛኑ ዝሓለወ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ምውርጻጽ ምምሕዳራዊ ስራሓት መሰረታዊ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ትግባረ ዝውጠኑ መደባት ንምርግጋጽ፡ ቊጽጽራዊ ስራሓት ልዑል ግምት ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

Categories