ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራን ዝተወደበ፡ ኣብ መስርሕ ምድጅታል ኣገልግሎታት ፈነወታት ቴሌቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ዝሕግዝ ስልጠና ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 10 ነሓሰ ብቻይናውያን ክኢላታት ኣብ ኣስመራ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ካብ ማእከላይ ቦታን ካብ ዞባታትን ዝመጹ 45 ኣባላት ኣሃዱታት ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ምህንድስናን ሚኒስትሪ ዜና ተሳቲፎም።

እዚ – ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ሽርክነታዊ መደባት ዝኾነ ስልጠና፡ ንጹርነት ድምጺ ኣብ ፈነወ ሬድዮን ኣገዳስነቱን፡ ድጅታዊ ፈነወ ኣብ ኤፍ.ኤም ባንድ፡ ድጅታላዊ ፈነወን ዝርጋሐን ቴሌቪዥንን ረብሓታቱን ከምኡ’ውን ምስኡ ዝተተሓሓዘ መዳያት ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እዚ ብዓይነቱ ንመጀመርታ ግዜ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና፡ ፈነወታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ኤርትራ ናብ ዲጂታላዊ ኣገባብ ንምስግጋር ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝድግፍ ምዃኑ ጠቒሱ፡ መሰረታውያን መዳያት ከምዝቕሰሙ ተገይሩ ምህላዉ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ብግብሪ ክሰርሑሉ ልዑል ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

ፖለቲካዊ ኣማኻሪት ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስ ሊ ዋንግ ብወገና፡ እቲ ስልጠና መርኣያ ናይቲ መንግስቲ ቻይና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ምዕባለኣዊ ሽርክነት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ፍሉይ ስልጠና ዝያዳ ንምስፍሑ መደብ ከምዘሎ ሓቢራ።

Categories