ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ሶማል ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ 13 ነሓሰ ሞቓዲሾ ኣትዩ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና፡ ኣብ ገስጋስ ትግባረ ናይ’ቲ ብ30 ሓምለ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ‘ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን’፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ትግባረ ቀዳምነት ክወሃቦም ኣብ ዝግባእ ጉዳያት ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱን።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ሶማል ኣብ ዘቤታውን ኣህጉራውን ጉዳያት ተመዝግቦ ዘላ ገስጋስን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታትን ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ቅሩብነት ሃገሩ ንተግባራውነት ናይ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ሶማል ሓሰን ዓሊ ኸይረ ተረኺቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

ኣብ’ቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት መሓመድን ብመሰረት ዝኸተሙሉ ሰነድ፡ ኤርትራን ሶማልን፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቊጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ምክልኻልን ጸጥታን ክተሓባበራ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምምስራት ኣምባሳደራት ክመዝዛ፡ ክልተኣዊ ንግዳውን ወፍራውን ዝምድና ከተባብዓን ከዕዝዛን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዳያት ትምህርትን ባህልን ምልውዋጥ ክገብራ ተሰማሚዐን።

ብዘይካ’ዚ ክልተአን ሃገራት፡ ዞባዊ ሰላም፡ ምርግጋእን ቊጠባዊ ውህደትን ንምትብባዕን ንምርግጋጽን፡ ብሓደን ብምርድዳእን ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

Categories