ኣብ ዞባ ማእከል ንኡሳን ዞባታት ጋላነፍሕን ሰረጀቓን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ማይን ሓመድን ብምዕቃብ እቶትን እቶታውነትን ንምኽዕባት፡ ከምኡ’ውን ቀላጥ ቦታታት ናብ ሓምላይ ንምቕያር፡ ብኮም ዝተወደበ ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ።

ነበርቲ ዓድታት ዓደርዓዳን ሕምብርትን ብክኢላታት ሕርሻ እናተመርሑ ብዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ምግራብ ወፈራታት፡ ዛጊት ልዕሊ 20 ሽሕ ፈልስታት ክተኽሉ እንከለዉ፡ ኣብ ዓድታት ዓደከሎምን ገሽናሽምን ድማ ኣስታት 9 ሽሕ ቀላሚጦስ ተተኺሉ።

ነበርቲ ኣፍዓበት እውን፡ ፍግረ-መሬት ንምፍዋስን ኣብ ግዜ ክራማት ዘጋጥም ሓደጋ ውሕጅ ንምክልኻልን፡ ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዘተኰረ ንጥፈታት የካይዱ ከምዘለዉ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጀብ ሓቢሩ።

እቲ ወፈራታት፡ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ከይተሓጽረ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ፈልከትን ቅላመትን እውን ይካየድ ምህላዉ ዝገለጸ ኣቶ ኣሕመድ፡ ንተራ ነበርቲ ብሓፈሻ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ሞጒሱ።

Categories