ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓርበኛታት ተጋደልቲ – ብሪጋደር ጀነራል ተመስገን በርሀን ዋና ዳይረክተር ተስፋይ ተኽለን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝብን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ 11 ነሓሰ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ጸጸራት፡ ብክብ ዝበለ ኣገባብ ተፈጺሙ።

ኣብ’ቲ ብሰልፊ ምረሻ ዝተሰነየ ስነስርዓት፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ከምኡ’ውን ስድራቤት’ቶም ሓርበኛታት ኣኽሊል ዕንባባ ኣንቢሮም።

ኣብ ዝተነበበ ታሪኽ ሂወት፡ ስውእ ሓርበኛ ብሪጋዴር ጀነራል ተመስገን በርሀ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1965 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከምእተሰለፈ፡ ክሳብ 1967 ድማ ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱታት ተመዲቡ ክሳብ ደረጃ ጸሓፊ ጋንታ ከምእተጋደለ፡ ኣብ 1971 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ድሕሪ ምጽንባሩ ድማ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምትእትታው ዘመናዊ ወተሃደራዊ ትምህርቲን ምምስራት ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን ዝገበሮ ኣብነታዊ ኣበርክቶ፡ ከም ተራ ተዋጋኢ፡ ኣሰልጣኒ፡ ሓላፊ ማእከል ስልጠናን ታዕሊምን ኣዛዚ ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን ብምዃን፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝሰርሐን ዝመርሐን ምንባሩ ተገሊጹ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ስታፍ ስልጠናን ውዳበን ከበድቲ ኣጽዋር፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1967 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሓርበኛ ተስፋይ ተኽለ ድማ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሓርነት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ዘገልገለን ኣገደስቲ ውግኣት ኣንጻር መግዛእቲ ዝመርሐን ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ምምሕዳራት ዞባ ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብደረጃ ዋና ዳይረክተር፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ኣገልጊሉ።

ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳርን ሚኒስትሪ ምክልኻልን፡ ብመስዋእቲ ገዳይም ተጋደልቲ ብርጋዴር ጀነራል ተመስገን በርሀን ኣቶ ተስፋይ ተኽለን ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራቤቶምን መቓልስቶምን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብሉ።

Categories