ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 9 ነሓሰ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምስ ዝፈጸመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲዓረብ ዓድል ኣልጁቤር፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብቤተ-መንግስቲኣብዝተኻየደርክብ፡ ሚኒስተር ዓድል ኣልጁቤር፡ ኣብ ምዕዛዝ ታሪኻውን ሕውነታውን ዝምድናታት ኤርትራን ስዑድያን ዘተኰረ መልእኽቲ ሰናይ ምንዮት ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ሃገሩ ነዚ ድልዱል ሰረት ዘለዎ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ወፍሪን ንግድን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክብ ንምባሉ ዘለዋ ድሌትን ድልውነትን ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፡ ምምዕባል ታሪኻዊ ዝምድናታት ኤርትራን ስዑድያን ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝሓልፍ ረብሓታት ስለዘለዎ፡ ቅሩብነት ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ምዕባይ ተራ ስዑድያ – ንጸጥታን ርግኣትን ናይ’ዚ ዞባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ሚኒስተርጉዳያትወጻኢንግስነትስዑዲዓረብ ዓድል ኣልጁቤር ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስዑድያን ኤርትራን ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ብቐንዱ ድማ ኣብ ወፍሪ፡ ንግድ፡ ጸጥታን ቃልሲ ኣንጻር ሽበራን ዘለወን ሽርክነት፡ ኣብ ቀዳምነታተንን ዕላማታተንን እውን ተመሳሳልነትን ውህደትን ከምዘለወን ብምሕባር፡ ኣብ መንጎ መራሕተንን ላዕለዎትሰበ-ስልጣነንን ዝግበር ምብጽጻሕን ናይምምኽኻርመድረኻትን፡ነዚዘሐይልን ቅኑዕ ኣንፈት ዘትሕዝን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓድል ኣልጁቤር ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተቐቢሎምዎ።

ምስ ሚኒስተር ዓድል ኣልጁቤር፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስቴት ሚኒስተር ንጉዳያት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሕመድ ዓብዱልዓዚዝ ቓጣን ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መጺኦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት-ብ23 ሓምለ፡ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ድማ ብ5 ነሓሰ፡ ኣብ ስዑድያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምፍጻሞም ይዝከር።

Categories