ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ንኽፍጽሙን ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ንኽዛዝሙን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሳዋ ንዝወረዱ ተሳተፍቲ መበል 32 ዙርያ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ናይ 4 ነሓሰ ሰሚናሩ፡ ተራ ሳዋ ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያውን ብቕዓት መንእሰያት፡ ምዂስኳስ ሃገራዊ ክብርታት፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ህንጸት፡ ዜግነታዊ ኣረኣእያን ሓባራዊ ህይወትን ብሰፊሑ ዝገለጸ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገስጋስ ወፍሪ ልምዓትን መኸተን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረት ኣብሪሁ።

“ነፍሲ-ወከፍ ወለዶ፡ ናቱ ምዕራፋት ታሪኽ’ዩ ዝሓልፍ” ዝበለ ኮሎኔል ደበሳይ፡ እዚ ኣብ ትስፉው መድረኽ ሰላም ንሳዋ ወሪዱ ዘሎ ወለዶ፡ ፍልጠቱን ንቕሓቱን ብምብራኽ፡ ራኢ ወፍሪ ልምዓት ብኣድማዕነት ንምትግባርን ብሩህ መጻኢ ንምውሓስን ከይተሓለለ ክሰርሕ ተላብዩ።

እቶም ተሳተፍቲ፡ ፍልጠት ደሊቦም ብግብራዊ ስራሕ ንህዝቦምን ሃገሮምን ንምግልጋል ብዘይተጒላባነት ክሰርሑ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም።

Categories