ወኪል ጃፓናውያን ኩባንያታት ተሽከርከርቲ ቶዮታ፡ ኩማትሱን ያማሃን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ – ኤርትራዊ ኩባንያ ‘ዓንበርበብ ሼር ካምፓኒ’፡ ምስ ‘ሊብያ ኦይል-ኤርትራ’ ብምትሕብባር፡ ኣብ ኣተሓሕዛን ክንክንን መካይን ዘሎ ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝዓለመ ጐስጓስ የካይድ ኣሎ።

እዚ ብቐንዱ ኣብ መራሕቲን ወነንትን መካይን ዘተኰረ፡ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 31 ነሓሰ ንሓደ ወርሒ ዝቕጽል ጐስጓስ፡ ንግዜኡ ብጽብብ ዝበለ – ኣብ ኣስመራን ዓሰብን ተጀሚሩ ከምዘሎ፡ ኣብ ቀጻሊ ግን ምስ ሚኒስትሪ ዜና ብምርድዳእ ብሰፊሑ ክቕጽል ምዃኑ፡ ኣካያዲ ስራሕ ዓንበርበር ሼር ካምፓኒ ኣቶ ግርማይ ኣብርሀ ሓቢሩ።

መካይን ግቡእ ክንክን ምስ ዝግበረለን፡ ንዝነውሐ ግዜ የገልግላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምንካይ ክሳራታትን ሓደጋታትን እውን ኣስተዋጽኦ ከምዝገብራ ዝጠቐሰ ኣቶ ግርማይ፡ ብግዜን ኪሎ-ሜትርን ግቡእ ክንክን እትረክብ መኪና፡ ሞቶረ ከየውረደት ክሳብ ሓደ ሚልዮን ኪሎ-ሜትር ክትጒዓዝ ከምእትኽእል ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ፡ ኩነታት ናይ’ተን መካይን ድሕሪ ምፍታሽ፡ ንቐጻሊ ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ፡ ምኽርን ሓበሬታን ከምዝወሃብ ኣረዲኡ።

ናብ 26 ዓማዊሎም ዝርከቡሉ ቦታታት እናተንቀሳቐሱ፡ ን390 መካይን መርኣያ ኣገልግሎት ክህቡ ምዃኖም ዝገለጸ ኣቶ ግርማይ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ጐስጓስ፡ ኣፍልጦ መራሕቲ መካይን ንምዕባይ፡ ካብ ዝተፈላለያ መንግስታዊ ትካላት ንዝተዋጽኡ 270 መራሕቲ መካይን፡ ኩባንያ ዓንበርበብ ካብ ኢንግሊዘኛ ናብ ትግርኛ ብዝተርጐማ መወከሲት መጽሓፍ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣስተምህሮ ከምእተዋህበ ገሊጹ።

ሓንቲ መኪና ብግዜን ኪሎ-ሜትርን ነዊሕ ምስ ተጓዕዘት ከምዘእከለት ዝሕብር መቈጻጸሪ ‘ሶፍትዌር’፡ ንስራሕ ድልው ኰይኑ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ሊብያ ኦይል-ኤርትራ ኣቶ መንግስቱ ተሰማ ብወገኑ፡ እቲ ብዓንበርበብ ሼር ካምፓኒ ዝተበገሰ ናይ ጐስጓስ መደብ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለዝኾነ፡ ኩባንያኦም ክጽንበሮ ከምዝመረጸን ናውቲ ብምቕራብ ናቱ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎን ገሊጹ።

Categories