ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ከምኡ’ውን ምስራሕ ዲጋን ምጽጋን ጽርግያን ዘተኰረ ማእቶት ይሰላሰል ኣሎ።

እቶም ነበርቲ፡ እቲ ወፈራ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣቐዲሞም ከካይድዎ ዝጸንሑ ኮማዊ ስራሓት ምዃኑ ብምሕባር፡ ዕላማኡ – ጉልበቶምን ገንዘቦምን ብምውህሃድ ጸጋታት ከባቢኦም ናብ ረብሓኦም ንምቕያር ከምዝኾነ ገሊጾም።

ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዝገበረሎም ናይ ስሚንቶን መሳርሒታትን ደገፍ፡ ኣብ ኣድማዕነት ናይቲ ስራሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ እውን ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ መሓመድ-ሳልሕ መሓመድ-ዓሊ፡ ነበርቲ ንዝጸንሖም ሕጽረት ቀረብ ማይን ጸገም መጓዓዝያን ንምቅላል ወሲዶምዎ ዘለዉ ተበግሶ ብኣብነት ዝጥቀስ ብምዃኑ፡ ካልኦት ከባቢታት ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱ ኣዘኻኺሩ።

Categories