ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ንዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

እቲ ብ6 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ ትግባረ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ዘትዮም።

ዕላማ ምብጻሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምዝርራብ እዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ – ሓሙሽተ ዓንድታት ዘጠቓልል “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላ ምን ምሕዝነትን” ከምዝኸተማ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዕለት’ቲ፡ ብስቴት ሚኒስተር ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ – ሚስተር ማሳሂሳ ሳቶ ንዝተመርሐ ልኡኽ ጃፓን እውን፡ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሚስተር ሳቶ፡ ብ9 ሓምለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተኸተመ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን”፡ ደገፍ መንግስቲ ጃፓን ገሊጹ።

ልኡኽ መንግስቲ ጃፓን ብዘይካ’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 2019 ኣብ ዮኮሃማ – ጃፓን ዝካየድ ሻብዓይ ‘ኣህጉራዊ ዋዕላ ቶክዮ ንምዕባለ ኣፍሪቃ – TICAD’ መብርሂ ሂቡን፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕድመ ተሳታፍነት ኣቕሪቡሉን።

እቲ ልኡኽ ብተወሳኺ፡ ጃፓን ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንምዃን ኣብ እተካይዶ ዘላ ምንቅስቓሳት፡ ደገፍ ኤርትራ ሓቲቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ፡ ብዛዕባ መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ዝሰዓበ ምዕባለታትን መብርሂ ሂብዎ። ንዝያዳ ኣድማዕነት – ባይቶ ጸጥታ ኣብ ቅርጹን ጉዳይ ኣባልነቱን መሰረታዊ ምምዕርራይ ክግበር ንዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት፡ ኤርትራ ከምእትድግፎ ድማ ኣነጺሩ።

Categories