መንግስቲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ትማሊ 7 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዘተ ዕርቂ ኣካዪዶም።

ነቲ ዘተ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ብወገን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ድማ ኣቦ-መንበር’ቲ ውድብ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ እዮም ኣካዪዶምዎ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ተረኺቡ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ’ቲ ዘተ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ጉዳይ ኦሮሞን ኦሮሚያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም።

ብመሰረት’ቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝነበረ ኲናት ኣኽቲሙ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ቃልሱ ከካይድ እዩ።

ወከልቲ መንግስቲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ መወዳእታ፡ ንዝተሰማምዑሉ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ንዝተረፈ ንምጽፋፍን እትሰርሕ ኮሚተ ክትምስረት ተረዳዲኦም።

 

Categories