ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ዝተሰላሰለ ዕማምን ዝተወስደ ስጒምቲን ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ፡ ንጥፈታት ሕርሻ ንምግምጋም ብ31 ሓምለ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ሕርሻ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ መዳያት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ሃብቲ እንስሳ፡ ልምዓት ብቝሊን ምግራብን ናይ ዝተዓሙ ንጥፈታት ጸብጻባት ቀሪቦም።

ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ኣብ 88 ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኣብ 475 ሄክታር ተዘሪኡ ኣብ ዝነበረ ዕፉን ብዝተወስደ ናይ ምቅጻል ስጉምቲ፡ ተርእዮ ናይ’ቲ ባልዕ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከምዝወረደ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ናይ ኣዝመራ ወቕቲ ዝተዘርአ ዕፉንን መሸላን ካብ’ቲ ባልዕ ናጻ ኮይኑ ክቕጽል ከምዝኸኣለ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ በሪሁ።

ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዝምልከት፡ ነበርቲ 12 ንኡሳን ዞባታት ብዘካየድዎ ወፈራታት፡ 2,359 ሄክታር ዛላታትን ከትርታትን ክስራሕ እንከሎ፡ 584 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዝተመድመደ፡ ኣብ ዓዲ-ቖዶን ቤትማርያን ድማ 3 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢታት ዝተገብረሉ ከትርታት ተሰሪሑ ኣብ ኣገልግሎት ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ እንስሳን መድሃኒታትን፡ ንጥፈታት ሃብቲ እንስሳ ብኣሉታ ከምዝተጸልወ፡ ብፍላይ ምህርቲ ጸባ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ከምዝነከየ፡ ብዘመናውን ሓውሲ ዘመናውን ክእለያ ዝጸንሓ ደርሁ እውን ቊጽረን ብልዕሊ 38 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ብዝርዝር ቀሪቡ።

Categories