ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ5 ነሓሰ ኣብ ጅዳ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲዓረብ ዓድል ኣልጁቤር ተራኺቡ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና ብሓፈሻ፡ ኣብ ንግድን ወፍሪን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ህልው ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ዝተለዋወጡሉ፡ ሚኒስተር ዓድል ኣልጁቤር፡ ሃገሩ ነዚ መስርሕ’ዚ ንምድንፋዕ ኣበርክቶ ክትገብር ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊጹ።

ንዑደት ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ድማ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት፡ ሪፓብሊክ ሶማል ብድሆታታት ክትሰግር ከምዝሕግዛ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ንሚኒስተር ዓድል ኣልጁቤር ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም ንዘቕረበሉ ዕድመ፡ ሚኒስተር ዓድል ተቐቢልዎ።

ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ክልተ ቕነ ናብታ ሃገር ዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ እዩ።

Categories