ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ነበርቲን፡ ሰፊሕ ናይ ምግራብ ንጥፈታት የካይዱ ኣለዉ።

ክኢላ ልምዓት መስኖ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኢንጅነር ፋሲል ክፍላይ፡ በቲ ብሰብ-ሞያ ሕርሻ ዝምራሕ ዘሎ መደብ፡ ዛጊት 3000 ፈልሲታት ከም እተተኽለ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ፡ ነቲ ናይ ምትካል መደብን ናይ ምጽዳቕ ተኽእሎኡን ትስፉው ገይርዎ ከምዘሎ፡ ኢንጂነር ፋሲል ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብንኡስ ዞባ ደረጃ ንዝካየድ ናይ ምግራብ መደብ እውን፡ ልዕሊ 185 ሽሕ ፈልሲታት ተዳልዩ፡ ንውልቃውያን ገረብቲ ከምኡ እውን ንሃይማኖታውያን ትካላት ይዕደል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ሓረስቶት ኣብ ምግራብ ዘለዎም ተገዳስነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ምምጽኡ፡ ብኡ መጠን ድማ ጠለባት ፈልሲ ይበዝሕ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ሞያውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብውልቃውያን ገረብቲ ዝተተኽለ ፈልሲታት ኣተባባዒ ውጽኢት ከምዝሃበ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ዝተተኽለ ኣግራብ በቲ ዝተደልየ መንገዲ ክዓቢ ምእንቲ፡ ግቡእ ሓለዋን ምክትታልን ክግበረሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories