ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኽረክብ ኣብ ምጥርናፍ ዓድታት ብዝተገብረ ልዑል ጠመተ፡ 42 ዓድታት ኣብ ዝተጸንዐ ቦታታት ተጠርኒፈን።

ዝምልከቶም ኣካላትን ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣብ ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ሙሳኤል፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ዝተሰላሰለ መስርሕ ምጥርናፍ፡ ዝምስገን ውጽኢት ከምእተረኽቦ ብምሕባር፡ እቲ መደብ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝዕወት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታት ብውህደት ጻዕርታቶም ከሕይሉ ተላብዩ።

“ጥርናፈ ዓድታት፡ መሰረት ምዕባለን ብሩህ መጻኢን ሕብረተ-ሰብ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ተኽለሃይማኖት፡ እተን ብሰንኪ ኣብ ሕርሻን ጉስነትን ዝተመርኰሰ ህይወት ምሕድግ ኢለን ዝጸንሓ 15 ዓድታት ሓሽሻይ፡ ጎልያን ሸንጌን ኣብ ሓሽሻይ፡ ሰቛር ላዕላይን ጭዔታትን ድማ ኣብ ሰቛር ታሕታይ ከምእተጠርነፋ ገሊጹ።

ካብ’ተን ኣብ ሓጋዝን ከረንን ክጥርነፋ ዝተወሰነለን ኣብ ጎቦታት ዝተደኰና ኣርባዕተ ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ኢዳምር፡ ድሮ እተን 373 ስድራ-ቤታት ዝጥርንፋ ክልተ ዓድታት ናብ ሓጋዝ ወሪደን ግቡእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽባ ከምዝበቕዓ እውን ሓቢሩ።

Categories