ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ – ኣመሪካ ዝርከብ 59 ኤርትራውያን ዝጠርነፈ ‘ማሕበር ሕድሪ ሰማእታትን፡ ካልኦት 2 ኤርትራውያንን፡ ኣብ መዓስከር ደንደን ንዝርከብ ሆስፒታል ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት፡ ንዋታዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

እቲ ልዕሊ 111 ሽሕ ናቕፋ ዝግመት ንዋት፡ ጣዋሉ፡ ሰድያታት፡ ፍሪጃት፡ ፎርኖ ጋዝ፡ መጒልሒ ድምጺ፡ ቴለቪዥንን ካልእን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣቦ-መንበር ‘ማሕበር ሕድሪ ሰማእታት’ ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ – ኣቶ ኣብርሃም ጠዓመ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንስንኩላን፡ ስድራ-ስዉኣትን ጽጉማት ወገናትን ንምሕጋዝ ዘለዎም ድሌት ሓያል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መዓስከር ደንደን ዝርከብ ሆስፒታል ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ምትዕርራይ ዝተገብረሉ ክኸውን እንከሎ፡ ንተሓከምቲ ዘገልግል ሓድሽ መዘናግዒ ማእከል ከም እተዋደደሉ እውን ተፈሊጡ።

Categories