ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ገጠራት ዞባ ማእከል፡ ሸፈነ ክታበት ናብ 87 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ብ26ን 27ን ሓምለ ኣብ ዓዲ-ጓዕዳድ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ስራሕ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ – ሓድሽ መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ከምዘይነበረ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ጨንፈር፡ መጠን ክታበት ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ ናብ 89 ሚእታዊት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጃቓ ናብ 90 ሚእታዊት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ድማ ናብ 85 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ ኣብሪሁ።

ዝበዝሓ ነብሰ-ጾራት ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝመላለሳን ኣብኡ ከምዝሓርሳን ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣገልግሎት ቅድመ-ሕርሲ ናይ ዝረኽባ ነብሰ-ጾራት ቊጽሪ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ከም ኣብነት ተጠቒሱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ዶክተር ተስፋይ ሰሎሞን፡ እቲ ገምጋም – ትካላት ጥዕና ዝህባኦ ኣገልግሎትን ብድሆታተንን ፈሊጥካ፡ ናይ ስራሕ መደብ ንምውጻእ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዝተራእዩ ሕጽረታት ፍታሕ ክናደየሎም፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ዜጋታት ክብ ንምባል ድማ ጐስጓሳት ክካየድ ዝብሉ ለበዋታት ቀሪቦም።

Categories